ዶ/ር ዓንደብርሃን ወልደገርግሽ ኣነቓቓሕን ኣበራታዕን ሰሚናር ኣካይዱ

ዶ/ር ዓንደብርሃን ወልደገርግሽ ኣነቓቓሕን ኣበራታዕን ሰሚናር ኣካይዱ

ዶ/ር ዓንደብርሃን ወልደገርግሽ ብኣጋጣሚ መበል 15 ዓመት ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ á...

Three Calming Questions to Ask Yourself When You’re Feeling Worried or Anxious
Seven Signs It’s Time to Quit Your Job Right Now
How Successful People Think (Hint: It’s Not All About Being Positive)

ዶ/ር ዓንደብርሃን ወልደገርግሽ ብኣጋጣሚ መበል 15 ዓመት ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ምድጓን ጋዜጠኛታትን ምርኩስ ብምግባር፡ ሞራል ደለይቲ ፍትሒ ዘበራትዕ መደረ ኣብ ቶረንቶ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ብ1 ትቅምቲ ንኣስታት 200 ደለይቲ ፍትሒ ዘስምዖ መደረ፡ ንታሪኽ ብረታዊ ገድሊ ብሓርፋፍ ብምድህሳስ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ጥልመትን ኣብ ሃገርን ህዝብን ዘውርዶ ዘሎ ዕንወትን ብዝርዝር ተሪኹ። “መሰል ርእሰ-ውሳነ ሃገር ተረጋጊጹ’ዩ፡ መሰል ህዝቢ ግን ጌና ኣይተረጋገጸን ኣሎ” ድሕሪ ምባል ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ በደላት፡ ዝተገብረ ጌጋታት፡ ዝተጠልመ መብጽዓታት ብምጥቃስ፡ ካብዚ ታኼላ’ዚ ንምውጻእ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ንጹር መብርሂ ሂቡ።

ዶ/ር ዓንደብርሃን ዘረብኡ ብምቕጻል፡ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኮነ ተጋድሎ ሓርነት ናይ ዘይምጽውዋር መንፈስ ከምዝነበረ፡ ንዘየረዳድእ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ብልዝብ ብጎነጽ ናይ ምፍታሕ ልምዲ ዝውቱር ተርእዮ ምንባሩ ኣውኪኡ። “ኣብ ህዝባዊ ግንባር፡ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዘቕረቡ ሰባት ዝምቡል ወይ መንካዕ እናበልካ” ምድጓን ልሙድ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ እቲ ባህሊ’ቲ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ውን ክንጸባረቕ ከምዝጀመረ ጠቒሱ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ መሰረታዊ መሰላት ማለት ንዝደለዮ መንግስቲ ክመርጽ ወይ ካብ ስልጣን ከውርድ፥ ህይወቱ ባዕሉ ክመርሕ፡ መዓልታዊ መነባብርኡ ባዕሉ ክውድብ፡ መጻኢኡ ክውስን፡ ንህይወቱ ኣብ ዝጸልዎ ፖሊሳዊ ጉዳያት ክሳተፍ መሰሉ ተሓሪሙ ከምዘሎ ኣነጺሩ ገሊጹ።

“መሰል ህዝቢ ክሳብ ሕጂ ዘይተረጋገጸሉ ምኽንያት” ይቕጽል ዶ/ር ዓንደብርሃን፡ “ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህግደፍ ክድዓት ስለዝተራእየ’ዩ። ንሕና ንፍትሒ፡ ንራህዋ፡ ዕቤት ተቓሊስና፥ እዚ ሕጂ ዘሎ ክውንነት ግን ኩሉ ብኣንጻሩ’ዩ።”
እቲ ጥልመት ናይቲ ስርዓት ቀስ ብቐስ ከምዘስፋሕፍሐ ዶ/ር ዓንደብርሃን ይጠቅስ፥ መሪሕነት ናይቲ ግንባር ተመቓቒሉ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮም፡ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ተዳጊኖም፡ ሓጋጊ ኣካል ህዝባዊ ግንባር፡ ሓጋጊ ኣካል መሰጋጋሪ መንግስቲ ኩሎም በብሓደ ከምዝደስከሉ ገሊጹ። እቶም ቀንዲ ንሃገርና ናብዚ ደረጃ’á‹š ዘውደቑዋ ኩነታት ከኣ ሰለስተ ነገራት ምዃኖም ዶ/ር ዓንደብርሃን ወሲኹ ይጠቅስ። 1)ምልማስ ፈጻሚ፡ ሓጋጊ፡ ፈራድን ኣካላት መንግስትን ህዝባዊ ግንባርን 2) ምድቋስ ውሽጣዊ ተቓውሞ ከምኡ’ውን 3) ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኖም ገሊጹ።

ዶ/ር ዓንደብርሃን መደርኡ ብምቕጻል፡ ስርዓት ህግደፍ ንውሽጣዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ንምቁጽጻር፡ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከምዝዓጸወ፡ ንመንእሰያት ኣብ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝጸመደ፡ ንህዝቢ ብከብዱ ንምቕጻዕ ኩቦን ከምዘተኣታተወ ዘርዚሩ ኣብሪሁ። ““ድሕሪ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ፡ ሓደ ንህዝቡ መሰረታዊ ጠለባት ከቕርብ ዘይክእል ስርዓት፡ መንግስቲ ኣይኮነን” ኢሉ።
እዚ ጮኳኒ ስርዓት ካብ ኤርትራ ከይተኣልየ፥ ኣብ ኤርትራ ብሕጋውን ዲሞክራስያውን መንገዲ ዘመሓድር ስርዓት ከይተተኽለ ሽግርና ከምዘየብቅዕ ወሲኹ ኣውኪኡ። ደምበ ተቓውሞ ከኣ ካብ ሓድሕዳዊ ጠቐነ ወጺኡ ምሉእ ዓቕሚ መኸትኡ ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ከቕንዕ ተላብዩ።

ዶ/ር ዓንደብርሃን ብምቕጻል፥ “ኣብ ኤርትራ ትካላዊ ኣሰራርሓ ስለዘየለ፡ እቲ ስርዓት እንተተኣልዩ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ከጋጥም ይከኣል’ዩ። ህኮት፡ ደም ምፍስሳ ከጋጥም ይኽእል’ዩ። ስለዚ ከምኡ ከየጋጥም እዚ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ተቓውሞ á‹•á‹® ገዝኡ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ” ኢሉ። ቀንዲ ዕምማት መድረኽ ድማ ለውጢ ንክመጽእ ዝንቀሳቓሱ ዘለዉ ደምበታት ተቓዉሞ፡ በርጌሳዊ ሓይሊ፡ ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ መድያ ትካላትን ናይ ዘተ ባይታ ምፍጣር’ዩ።
ነቲ ጽባሕ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ካብ ሕጂ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ምድላው የድሊ ይብል ዶ/ር ዓንደብርሃን። እቲ ስርዓት ምስተኣልየ ዝትከል መሰጋጋሪ መንግስቲ ክህልዎ ዝግባእ ምስሊ፡ ዝቐውም ትካላት መንግስቲ፡ ኣመራርጻ ፈጻሚ ኣካል፡ ግዝያዊ መንግስቲ ክህልዎ ዝግባእ ዕድመ፡ ናብ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ንምስግጋር ክግበር ዝግብኦ ምድላዋት ኣቐዲምካ ምሕሳብን ከምዘድሊ ብምጥቃስ፡ መድረኽ፡ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ብምስራዕ ግዳማዊ ምትእትታው ብዘየፍቅድ መንገዲ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዓቅሚ ዝምርኮስ፡ ንዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳትፍ ናይ ለውጢ መስርሕ ንምምጻእ ኣበርቲዑ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ዶ/ር ዓንደብርሃነ ካብ ተሳተፍቲ ዝመጽኦ ሕቶታት ብምምላስ ነቲ ሰሚናር ብዓወት ዛዚሙ።

COMMENTS